ዓመታዊ ኣኼባ ኣካየድቲ መደባት ክታበት ሃገራት ዞባ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ፡ ትማሊ 18 መጋቢት ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ተኸፊቱ።

ኣብ’ዚ ክሳብ ረቡዕ 20 መጋቢት ዝቕጽል ኣኼባ፡ ካብ 20 ሃገራት ዞባ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ኣካየድቲ መደባት ክታበት፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ውድባትን ትካላት መጽናዕትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ኣገዳስነት መደባት ክታበት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ብምጥቃስ፡ ውሑስ ትግባረኡን ሰፊሕ ዝርጋሐኡን ንምርግጋጽ፡ ኪኖ’ቲ ዘሎ ፖለቲካዊ መብጸዓን ኣህጉራዊ ምድግጋፍን፡ ኣተግበርቲ ናይ’ቲ መደብ ቀጻሊ ገምጋም ብምክያድን ተመኵሮ ብምልውዋጥን ንጥፈታቶም ከደንፍዑ ጸዊዓ።

ሚኒስተር ኣሚና ኣስዒባ፡ ኤርትራ – ሸፈነ ክታበት ብምዕባይ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ዓበይቲ መደባት ከምዘተግበረት፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ሸፈነ ክታበት ብደረጃ ሃገር 99 ሚእታዊት በጺሑ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ኣብ’ዚ ወከልቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለምን ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን እውን መግለጺታት ዘቕረቡሉ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ፡ ክታበት – ክኽሰቱ ንዝኽእሉ ሕማማት ኣቐዲምካ ነብሰ-ተጻዋርነት ንምዕባይ ዝካየድ ኣገዳሲ ሜላ ምውሓስ ጥዕና ምዃኑ ብምሕባር፡ ሰፊሕ ዝርጋሐኡ ንምርግጋጽ – ብዝሒ ዘለወን ሃገራት ዝሳተፍኦ ርክባት ምውዳብን ተመኵሮ ብምልውዋጥን፡ ኣብ ውጽኢታውነት ናይቲ ዕማም ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገብር እምነታ ገሊጻ።

Categories