ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ ተስፉ (ሚምጣዕ)፡ ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ብርሃነ፡ ፈለማ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ክፍሊ መጓዓዝያ ተመዲቡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸመ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ኩባንያ ትራንስሆርን ተመዲቡ፡ ብልዑል ተወፋይነት ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ብርሃነ ኪዳነ፡ ኣቦ ሓደ ውላድ እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ፡ ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ኩባንያ ትራንስሆርን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories