ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ምስፋሕ ትካላት ጥዕና ተጠቃምነት ህዝቢ እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተሰብ ዘተባብዕ ገስጋስ ከምእተመዝገበ፡ ብ29ን 30ን ጥሪ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ፡ ንመላእ’ቲ ዞባ ዝውክል ጸብጻባት ዝቐረበሉ ኣኼባ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ዝወሃብ ጥዕናዊ ኣገልግሎት መዓልታዊ ዝካየድ ኣስተምህሮኣዊ መደባት፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ተገልገልቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ በሪሁ።

ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት ኣብ ዝበዝሓ ዓድታት ብምትእትታዉ፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምዘንቈልቈለ፡ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት’ውን ኣብ ደሓን ደረጃ ከምዘሎ ክግለጽ እንከሎ፡ ውህደት ኩሎም ኣካላት ኣብ ኣድማዕነት ወፍሪ ክታበት ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ተገምጊሙ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ኣሰፋው ነጋሲ፡ ንጻዕሪ ሞያውያንን መሻርኽቲ ኣካላትን ብምምጓስ፡ መጠን ምክትታል ቅድመ-ሕርሲ ብ6 ሚእታዊት፡ መጠን ሕርሲ ኣብ ትካላት ጥዕና ድማ ብ4 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ቅርጻዊ ክለሳ ሚኒስትሪ ንምክያድ ይጽናዕ ምህላዉን፡ ኣጋር ሓካይም ንምምዕባል ናይ ሽድሽተ ወርሒ ስልጠና ንምሃብ ምድላዋት ተገይሩ ከምዘሎን ሓቢራ።

Categories