ባይቶ ዞባ ማእከል፡ “ስሙር ስጒሚ ሰላም፡ ንዝበረኸ ዕብየት” ብዝብል ቴማ፡ መበል 18 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ30 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣቦመንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍር ሚኒስትሪታትን፡ ከምኡ’ውን ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣቦመንበር ባይቶ ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ፡ እቲ ኣኼባ ሓድሽ ናይ ሰላም ምዕራፍ ኣብ ዝተኸፍተሉን ዘይምኽኑይ እገዳ ኣብ ዝተላዕለሉን ይካየድ ብምህላዉ ፍሉይነት ከምዘለዎ ጠቒሱ። ባይቶ ዞባ ማእከል፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተመያየጠ፡ ትግባረ መደባት ኣብ ምክትታል ክዋሳእ ምጽንሑ ድማ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ብሽማግለታት ቊጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ባህልን ልምድን ከምኡ’ውን ሕግን ስርዓትን ንዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፡ ታሪፍ ኤለክትሪሲቲን ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ቴለፎንን ዳግመ-ግምት ክግበረሉ፡ ከምኡ’ውን ሽግር ዝስተ ማይ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ፍታሕ ክናደየሉ ዝብሉ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል፡ ብዓቕሚ ዞባን ሃገርን ክስርሑ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታት ከከም ቀዳምነታቶም ክትግበሩ ምዃኖም ገሊጹ።

ባይቶ ዞባ ማእከል ኣብ መወዳእታ፡ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምጽጋን ጽርግያታትን መስመራት ረሳሕ ፈሳስን ክቕጽል፡ ዓቢ ቁጠባዊ ረብሓ ዘለዎ ‘ቈርበት ጥሪት’ ፈቐዶኡ ይድርበ ስለዘሎ፡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ኩነታት ክፍጠር – ዝብል ዝርከቦ 19 ነጥብታት ዝሓዘ ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ።

Categories