ነበርቲ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ምስ ኣባላት ምምሕዳርን ካልኦት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ኣካላትን ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፡ ድልውነቶም ንትግባረ መደባት ልምዓት ኣረጋጊጾም።

ማስተር ፕላን ከተማ ኣፍዓበት ንምትግባርን ሳዕሪሩ ዘሎ ምብራስ ኣግራብ ንምግታእን ዝግበር ጻዕሪ ክዓዝዝ ዘዘኻኸሩ’ቶም ነበርቲ፡ ኣብ ከባቢታት ዓገት፡ ናሮ-ተብዓትን ቅላመትን ትካላት ጥዕና ክህነጽ፡ ዘይስሩዕ መጐዓዝያ ሓራት ኣፍዓበት – ከረን ፍታሕ ክግበረሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስቲ ብዝገበሮ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ዓግማት ከምእተሰርሐ፡ ግራውቲ ዋዲ-ላብካ ድማ ብግቡእ ስለዝሰተየ ዘራእቲ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ምርጫታት ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድታትን ከምእተኻየደ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝጸንሓ ኣብያተትምህርቲ 80 ሚእታዊት ስራሓተን ከምእተዛዘመ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምጽጋን ጽርግያታትን ተሳትፎ ህዝቢ ልዑል ምንባሩ ገሊጹ።

ንመደባት 2019 ብዝምልከት፡ ኣብ ከተማ ኣፍዓበትን ገጠራትን ህንጸት ኣባይቲ ብመሰረት ፕላንን ቅጥዕታትን ምትግባር፡ ተጀሚሩ ዝጸንሕ ፕሮጀክት ህንጸት ኣብያተ-ትምህርቲ ምዝዛም፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ጽሬት ኣከባቢን ወፈራዊ ስራሓት ምውዳብ፡ ዕዳጋ ጥሪት ምስራሕን ኣዳራሽ ኣፍዓበት ምጽጋንን፡ ምርጫ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ምክያድ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት ኤለክትሪክን ኤሪ-ቴልን ምስፋሕ ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።

Categories