ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ብምሕያል – ወለንታዊ ልግሲ ንምስሳን ክስራሕ ምዃኑ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ጋዓስ ኣሕመድ፡ ብ24 ጥሪ ኣብ ዝተገብረ ገምጋማዊ ርክብ ገሊጹ።

ኣቶ ጋዓስ፡ ማሕበሮም ካብ ዝምስረት ሓጺር ዕድመ’ኳ እንተለዎ፡ ኣብ 2018 ብፍላይ ዝምስገን ስራሓት ከምዘሰላሰለ፡ 60 ሚእታዊት ካብ ጠለብ ደም ብወለንታውያን ክልገስ ካብ ዝወጸ መደብ – እቲ 57 ሚእታዊት ከምእተተግበረ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ማሕበር ብዓቕሚሰብን ባጀትን ንምሕያሉ ብዝለዓለ ክስራሕ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ተራ ኣካላት መንግስቲን ሕብረተሰብን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ደም ዝኽዘነሉ ዝተማልአ ትሕተ-ቅርጺ ዘለዎ ባንክ ደም ክህሉ፡ ናይ ጐስጓስ መደባት ክሰፍሕ ዝብሉ ርእቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ሑመድ ዓሊ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ምስ ዝርጋሐን ኣቀማምጣን ዓዲታት ኣድላይነት ወለንታውያን ለገስቲ ደም ጒሉሕ ስለዝኾነ፡ ንምሕያሉ ብዕቱብ ክስራሕ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንመሐየሊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ተበርኪቱ።

Categories