ነበርቲ ከተማ ኣቑርደት፡ ኣብ ወሰናስን ከተማኦም ንዝርከብ ቈጥቋጣት ተምሪሙሳ ንምእላይ ወፈራዊ ስራሓት ኣሰላሲሎም።

እቶም ነበርቲ፡ እቲ ናይ ጽሬት ስራሕ ኣካል ናይ’ቲ ብቐጻሊ ዝገብሩዎ ኮማዊ ወፈራታት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣገዳስነቱ መመሊሱ ይጐልሓሎም ብምህላዉ፡ ብዝሓየለ ውዳበታት ክቕጽሉዎ ምዃኖም ገሊጾም።

ክኢላ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ መንእሰይ ዳንኤል ኪዳነ፡ ኣብ ወሰናስን’ታ ከተማ ዝርከብ ኣግራብ ተምሪሙሳ መአከቢ ጐሓፍ ይኸውን ስለዘሎ፡ ንምእላዩ ዝግበር ዘሎ ወፈራታት – ኣብ ጥዕና ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

Categories