Archive - 2018

ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን፡ ብ20 ግንቦት ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ መጀመርያ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሌተና ኮሎኔል ንጉሰ ገብረመድህን፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት...

ጋሽ-ባርካ – በዓል ናጽነት ብደረጃ ዞባ ብምዕሩግ ኣገባብ ተጸምቢሉ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ብደረጃ ዞባ – 20 ግንቦት ኣብ ከተማ ባረንቱ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተጸምቢሉ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ብርክት ዝበለ ህዝብን ዝተረኽቡሉ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ...

ኣብ ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ኢማራትን፡ በዓል ናጽነት ብድምቀት ተጸምቢሉ

ኣብ ኒው-ኦርሊንስን ኮሎምቦስን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፓሪስ – ፈረንሳ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዱባይን ሰሜን ኢማራትን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብድምቀት ጸምቢሎም። ተቐማጦ ኮሎምቦስ...

መራሕቲ ሃገራት፡ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም

መራሕቲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ሪፓብሊክ ኣልጀርያ፡ ሪፓብሊክ ክሮኤሽያን ሽወደንን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 27 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም። ፕረዚደንት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና – ሺ ጂን ፒንግ፡...

ከረን – ልዕሊ 400 ዜጋታት መብጣሕቲ ሓበላ ተገይሩሎም

ዑረት ንምክልኻል፡ ጠንቂ ዑረት ዝኾኑ ሕማማት ንምፍዋስ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ምስ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ኣልበሳር ብምትሕብባር፡ ኣብ ሆስፒታል ከረን 410 ዜጋታት መብጣሕቲ ሓበላ ተገይሩሎም። ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ከረን ዶክተር ያፌት ሃይለሚካኤል፡ እቲ ምስ ጉጅለ...

Login

Categories