Archive - 2018

ዓንሰባ – ሳጋሚ ባርኖስ ንምቊጽጻር ውጽኢታዊ ስራሕ ይዕመም ኣሎ

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ መሻርኽቱ ኣካላትን ሓረስቶትን ተወሃሂዱ ዘካይዶ ዘሎ ስራሕ፡ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና ብቚሊ ኣቶ ዜናዊ ዕቝባኣብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ...

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ተመሃሮኡ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ብዓውድታት ምህንድስና ባሕሪ፡ ሃብቲ ዓሳን ባዮ-ቴክኖሎጂን ዘምሃሮም 26 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 94 ተመሃሮ፡ ቅድሚ ትማሊ 8 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ንመበል 11 ግዜ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ...

መንደፈራ – ንሳዋ ዝወርዱ ተመሃሮ ኣስተምህሮ ተዋሂቡዎም

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ንምፍጻምን ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምክትታልን ሎሚ ዓመት ንሳዋ ንዝወርዱ ተመሃሮ፡ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቶ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳዋ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርቲ...

ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ናይ ዘሕልፉ ዜጋታት ቊጽሪ ይውስኽ

ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ኣብ ሃገሮም ንምሕላፍ – ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝመጹ ዜጋታት ቁጽሪ፡ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ካብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ዓዲ- ጥልያን፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራትን ምስ ደቆም ዝመጹ ዜጋታት፡ ኣብ ናይ ልምዓት ቦታታትን...

ትካል ጥዕና ኲዶፈላሲ ብተገልገልታን ሓለፍታን ተናኢዳ

ነበርቲ ኲዶፈላሲ – ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ዝግበረሎም ጥዕናዊ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን፡ ንቕሓቶምን ኣፍልጦኦምን ክብ ብምባል ኣብ ምዕቃብ ጥዕናኦም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ “ካብ ሓሚምካ...

Login

Categories