ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ እንግዶተን ኲኖ መኽሰብ ኣብ ዕብየት ቱሪዝም ዘተኰረ ክኸውን፡ ብ12 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣቦመንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕን ካልኦትን ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ዋና-ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ቱሪዝም ዞባ ማእከል ወይዘሮ ሊያ ገብረኣብ፡ እቲ ክፍሊ ኣብ ብቕዓትን ጽፈትን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣተኲሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ዞባ ማእከል ካብ ዝርከባ ልዕሊ 1500 ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ኣብተን 1300 ዝኾና ግቡእ ቁጽጽር ከምእተገብረ ዝሓበረት ወይዘሮ ሊያ፡ ብኡ መሰረት ኣብ ኣተሓሕዛ ክሽነ፡ መኽዘን፡ ዓይኒ-ምድሪ፡ መዕረፍ ኣጋይሽ፡ መመግቢ ክፍሊን ካልእን ዝነኣድ ብቕዓት ዘንጸባረቓ 36 ትካላት፡ ተሸለምቲ ወረቐት ምስክር ዓመተ-2018 ክኾና ከምዝኸኣላ ሓቢራ።

“ምቕሉል ኣቀባብላ ጋሻ፡ ካብ መለለዪ ብሉጽ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ” ዝበለት ወይዘሮ ልያ፡ ወነንቲ ትካላት ኣገልግሎት – ቀዳምነት ጦብላሕታ ምስሊ ሃገር ምዃኖም ተገንዚቦም፡ ንበጻሕቲ ኣጋይሽ ብእሩም ስነ-ምግባር ክእንገዱ ኣዘኻኺራ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ዝሓታኦ ዋጋታት ምስ ህልው ዋጋ ሃለኽቲ ክዛመድ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ እተን 36 ኣብነታውያን ትካላት – ካብ ኢድ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ወረቐት ምስክር ተዋሂበን።

Categories