ማሕበር ሓረስቶት ኣርባሕቲ ንህቢ ዞባ ማእከል፡ ምህርቱ ብምስሳን ጠለብ ዕዳጋታት ንምምላስ ኣበርቲዑ ይነጥፍ ከምዘሎ፡ ኣቦመንበር’ቲ ማሕበር ኣቶ ሃብተኣብ ገሃድ ሓቢሩ።

ኣቶ ሃብተኣብ፡ ልዕሊ 14 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ማሕበር፡ ኣስታት 90 ኣባላት ከምዘለውዎ ብምሕባር፡ ምህርቲ መዓር ብዓይነትን መጠንን ክብ ንምባል ዘተባብዕ መደባት ይትግብር ከምዘሎ ገሊጹ። ዋጋ መዓር ካብ ኣስታት 500 ናቕፋ ናብ 250 ናቕፋ ወሪዱ ምህላዉ እውን ኣነጺሩ።

ሞያዊ ዓቕሚ ሓረስቶት ንምዕባይ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳር ዞባን ዝውድብዎ ስልጠናታት፡ ኣብ ምስሳን ምህርቲ ዕዙዝ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ እቲ ኣብ ዓመት ካብ 60 ኩንታል ዘይሓልፍ ዝነበረ ምህርቲ መዓር ናብ 150 ኩንታል ክብ ምባሉ ድማ ናቱ ውጽኢት ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብወገን ተገልገልቲ፡ ማሕበር ናብ ህዝቢ ዘቕርቦ ዘሎ መዓር ጽሬቱ ዝተሓለወን ዋጋኡ ዝተመጣጠነን ምዃኑ ብምምስካር፡ ዝያዳ ዝርጋሐ ክህልዎ ኣዘኻኺሮም።

ክኢላ ምርባሕ ንህቢ – ኩባዊት ዶክተር ያስሚር ሳረት፡ ኤርትራ ብኣትክልትን ዕንባባታትን – ንንህቢን መዓርን ምችእቲ ምዃና ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓቶ ናይ ክልተ ዓመታት ግዜ፡ ምስ ኣርባሕቲ ንህቢ ሃብታም ተመኲሮ ከምዝቐሰመት ሓቢራ።

ክኢላ ምርባሕ ንህቢ – ኩባዊት ዶክተር ያስሚር ሳረት፡ ኤርትራ ብኣትክልትን ዕንባባታትን – ንንህቢን መዓርን ምችእቲ ምዃና ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓቶ ናይ ክልተ ዓመታት ግዜ፡ ምስ ኣርባሕቲ ንህቢ ሃብታም ተመኲሮ ከምዝቐሰመት ሓቢራ።

Categories