ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን መናበዪ ስድራ ስዉኣትን ዝውዕል ኣስታት 35 ሽሕ ዶላር፡ 335 ዩሮን 53 ሽሕ ናቕፋን ኣበርኪቶም።

ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ኣብ ዱባይን ሰሜን ኢማራትን ዝነብሩ ኤርትራውያን 34,866 ዶላር፡ ኣባላት ማሕበር መድሃኒኣለም ርያድ ድማ 15 ሽሕ ናቕፋ ንመናበዪ ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ወፍዮም።

ብዘይካ’ዚ፡ ወይዘሮ ጽገሃና ጊላዝጊ 20 ሽሕ ናቕፋ፡ ወይዘሮ ኣዝመራ ኣርኣያ ብስም በዓል-ቤታ ነፍስሄር ረዘነ መንግስትኣብ 10 ሽሕ ናቕፋ፡ ኣቶ ፍጹም ተወልደብርሃን ምስ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ጸጋ ተኽለኣብ ብስም ነፍስሄር ጓሎም ዊንታ ፍጹም 8 ሽሕ ናቕፋ፡ ተቐማጦ ቢልፊልደንን ከባቢኣን – ጀርመን ድማ 335 ዩሮ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ከምዘበርከቱ ተሓቢሩ።

Categories