ኣብ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይሊን ኣፍዓበትን፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት ኣብ ዝለምዐ ዕፉን ዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምጥፋእ – ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ፡ ወከልቲ ኤሪና ከካብ ቦታኡ ሓቢሮም።

ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣቶ ቢንያም ዓንደብርሃን፡ እቲ ኣብ 48 ሄክታር ንዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣፍልጦ ሓረስቶት በሪኹ ብምጽንሑ ብኣድማዕነት ይትግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መንግስ ጠዓመ፡ እቲ ኣብ ጀራዲን ክለምዕ ዝጸንሐ ዕፉን፡ ካብ ሓድሽ ብቋል ክሳብ ኣብ ደረጃ ምሽዋት ዝበጽሐ ብምልኡ ተማሕዩ ከምእተቓጸለ ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ቅላመት፡ ፈልከት፡ ኩብኩብ፡ ጋድም-ሓሊብን ቃምጬዋን ዝለምዐ ዕፉን ተማሕዩ ይቃጸል ኣሎ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓጎስ ገብረትንሳኤ፡ እቲ ሓደገኛ ባልዕ ዝተራእየሉ ዕፉን ናይ ምምሓው ስራሕ፡ ብምሉእ ተሳትፎ ሓረስቶት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories