ቤት-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ግላስ፡ ብሞያ ተሓጋገዝቲ ነርስ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ዘሰልጠነቶም 56 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 119 ኣባላት 30 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብ31 ነሓሰ ኣመሪቓ።

ኣብቲ ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ዝተረኸበሉ ስነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ገብረብርሃን ሃብተገርግሽ፡ ሰልጠንቲ ኣብ ናይ 2ይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ተሳቲፎም ናይ ሰርቲፊኬት ነጥቢ ዘምጽኡ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ብምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተዳለወ ግብራውን ክልሰሓሳባውን መርመራታት ወሲዶም ዝሓለፉ ምዃኖም ገሊጹ።

ወኪል ተመረቕቲ ብወገና፡ መንግስቲ ንዝፈጠረሎም ዕድል ሞያዊ ትምህርቲ ተጠቒሞም፡ ንህዝቦምን ሃገሮምን ብተወፋይነት ከገልግሉ ምዃኖም ቃል ኣትያ።

ዳይረክተር ጥዕናዊ ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ሆስፒታላት ኮሎኔል የማነ ጸጋይ ድማ፡ ተመረቕቲ ብዝተማህርዎ ዓውዲ፡ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት ጥዕና ዜጋታቶም ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ 2013 ንጥፈታታ ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ግላስ፡ ኣብ ዘካየደቶ ሰለስተ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዛጊት 259 ተመሃሮ ከምዘመረቐት ሰነዳታ የመልክት።

Categories